ማንቼስተር ዩናይትድ ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣሰናቢቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰናቢቶም።

ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ድኹም ጉዕዞ እናገበሩ ብምንባሮም ወቐሳ እናበፅሖም ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ዩናይትድ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ መበል 9ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብጋንታ ዌስትሃም 2 ን 1 ከምዝተሰዓረት ይዝከር፡፡

ምኽትል ኣሰልጣኒ ብምዃን እገልገለ ዝፀንሐን ነበር ተፃዋታይ እታ ጋንታን ሆላንዳዊ ሩድ ቫልኔስትሮይ ንግዚኡ ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ብምዃን ንኽመርሕ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ፡፡

Comments (0)
Add Comment