ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሰዓት 1፡30 ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ንርሰናል ክተተኣናግድ ኢያ።

ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብቲ ሊግ 33 ነጥቢ ብምእካብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ እንትትከውን፤ ኣርሰናል ብ54 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ ትርከብ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብ ስታዲየም ኢምሬትስ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።

ካብዚ ፀወታ ኣቐዲሙ ኣጋምሸት ሰዓት 11 ቼልሲ ምስ ሌስተር ሲቲ ከምኡ እውን ቶትንሃም ሆትስፐር ምስ ቦርንመዝ ክራኸባ ኢየን።

Comments (0)
Add Comment