ማቼስተር ሲቲ ንዎልቭስ 2 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 8ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናብ ስታዲየም ሞሊኒክስ ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 2 ን 1 ተዓዊታ፡፡

ዎልብስ ኣብ መበል 7ይ ደቒቕ ላርሰን ብዘመዝገባ ሸቶ ክትመርሕ ክኢላ ዝነበረት ትኹን እምበር፤ ግባርድዮል ኣብ መበል 33 ደቒቕ ከምኡ እውን ጆን ስቶንስ ፀወታ ክዛዘም ሰከንድታት ኣብ ዝተረፉዎ ኣብ መበል 95 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሲቲ ክትዕወት ክኢላ፡፡

ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ቀፂሉ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሊቨርፑል  ምስ ቼልሲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment