ማስተር ፕላን ብሄራዊ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝቕፅሉ 30 ዓማውቲ ተግባራዊ ዝግበር ማስተር ፕላን ብሄራዊ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሎሚ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ እቲ ማስተር ፕላን ንዓውዲ ትራንስፖርት ብምዝማን ኢኮኖሚ ሃገር ንምዕባይ ተሓሲቡ ዝተፀንዐ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ማስተር ፕላን ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ብልዑል ብርኪ ንክውስኽ ዝገብር እዩ ኢለን እተን ሚኒስትር።

ትራንስፖርት ኣብ ኩለን ከባብታት እታ ሃገር ተባፃሒ ብምግባር ግብርና፣ ዓውዲ መፍረይ፣ ዓውድታት ዕደናን ቱሪዝምን ንክዓብዩ ከምዝሕግዝ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ዕላዊ ዝተገብረ ዝተወሃደ ማስተር ፕላን ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ፅሬትን ተበፃሕነትን መገዲ ዘዕቢ ብዛዕባ ምዃኑ እውን ኣብቲ መድረኽ ተመላኺቱ።

ማስተር ፕላን ብሄራዊ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ካብ መሬት ሓሊፉ ንናይ ኣየር ትራንስፖርት መሰረተ ልምዓት ፍሉይ ትኹረት ዝሃበ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment