ማረት ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ብር 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ዝዋግኡ ናውቲ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ብር ክልተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ዝዋግኡ 1000 ኮበርታ፣ 1000 ኣንሶላን 12 ላፕቶፕ ኮምፕዩተራትን ካልኦት ናውቲታትን ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣረኪባ።

ዳይሬክተር ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ ሓገዝ ብመሰረት መንግስቲ ትግራይ ዝደንገጎ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መዕቆቢ ዝኾኑ ቦታታት ምሉእ ናውቲ ክህልዎም ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ።

ኣይተ ተኽለወይኒ እቲ ለበዳ ንምክልኻል እቲ ቀንዲ ምስ ፅሬት ዝተተሓሓዘ ስራሕቲ ምስራሕ ስለዝኾነ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሓ ልዕሊ 10 ሽሕ ጎዳጉዲ ማይ ዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ፀገም ብነፃ መስመር ስልኪ 8701 ሕብረተሰብ ንኽፅገነሉ ክሕብር ከምዝኽእል እውን ገሊፆም።

ምስራሕ ጎዳጉዲ ማይ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

እቲ ንብረት ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ብወገኖም፥ እቲ ሓገዝ ሎሚ ጥራሕ ዝወሃብ ዘሎ ዘይኮነስ ቀፃሊ ዘሎ ክፍተት እናረአየት ማረት ዝለዓለ ስራሕ ከም ትሰርሕ እምነቶም ከምዝኾነን ሕዚ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንዝገበረቶ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

እተን ላፕቶፕ ኮምፕዩተራት ንብረታት ድማ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕ ክንሰርሕ ዝሕግዝ እዩ ድሕሪ ምባል ድማ እቲ ናውቲ ፅባሕ ናብ ንዝኽፈታ ማእኸላት መዕቖቢ ክከፋፋል ምዃኑ ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment