ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ልዑል ሽልማት ስፖርት ኣህጉር ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ/ኣኖካ/ ልዑል ሽልማት ስፖርት ኣህጉር ኣፍሪካ/ኦርደር ኦፍ ሜሪት/ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣበርኪቱ።

እቲ ሽልማት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ንዕቤት ኦሎምፒክ ስፖርት ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ እዚ ሽልማት ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም።

ቀዳማይ ኣቢይ ኣሕመድ እውን ንስፖርት ኢትዮጵያ ዘርአዩዎ ድጋፍን ንህንፀት መንደር ኦለፐምፒክ ዝገበሩዎ ሓገዝ ብር ሰለስተ ቢሊየንን ንሽልማት ከምዘብቀዖም ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምውካል ነቲ ሽልማት ተረኪበንኦ፡፡

ዶክተር ሂሩት ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኩለመዳያዊ ረብሓ ዘፈር ስፖርት ክጥቀሙ ዝኸኣሉ መራሒ ኢዮም።

መናእሰይ ንስፖርትን ሰናይ ተግባርን ትኹረት ንኽህቡ መርኣያ ብምዃን ዓቢዪ ስራሕ ከምዝሰርሑ እውን ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ሙስጠፋ ቢራፍ ብግደኦም፥ ኣብ ፃንሒቶም ኢትዮጵያውያን ተቐበልቲ ጋሻ ዝኾኑ ህዝቢታት ዝሓቖፈት ዓባይ ሃገር ከምዝኾነት ከምዝተገንዘቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ንዝተገበረሎም ክንክን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ኮሚቴ ዕዉት ኮይኑ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦም ካብ ግዜኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment