ማሕበር ኣክሲዮን ስታንዳርድ ጌጅ ኢትዮ-ጅቡቲ ልዕሊ 1 ሚሊየን ቶን ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኣጓዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሞንጎ ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ትራንስፖርት ሓደ ዝኾነ ማሕበር ኣክሲዮን ስታንዳርድ ጌጅ ኢትዮ-ጅቡቲ ዝተሰርሖም ስራሕቲ ብሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ ተጎብኒዩ።

ማሕበር ኣክሲዮን ስታንዳርድ ጌጅ ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 1 ነጥቢ 45 ሚሊየን ቶን ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ከምዘጓዓዓዘ ዘርገለፁ ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ኢንጂነር ጥላሁን ሳርካ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓረስቶት ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪ) ብእዋኑ ንኽበፅሕ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ኣክሲዮን ማሕበር ካብ ኣገልግሎት ኣታዊን ወፃኢን ብተወሳኺ ዶብ ሰገር ግልጋሎት ትራንስፖርት ብመሃብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ከምዘተኣሳሰረ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ብምጅማሩ ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ 400 ሰባት እናመላለሰ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment