ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዘህቦ ዘሎ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ክብሉ ናይቲ ማሕበር ላዕለዋይ መራሒን ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ናይቲ ማሕበር ላዕለዋይ መራሒን ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ምክትል ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

Comments (0)
Add Comment