ማሕበር ቀይሕመስቀል ኢትዮጵያ ካብ ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ንዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕመስቀል ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ንዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ምግቢን ክዳውንቲን ዘካተተ 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ከምዝኾነ ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣይ ዳምጠው እምሻው ገሊፆም።

እቲ ማሕበር ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዘተኣኻኸቦ ሓገዝ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ተዓቊቦም ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣረኪቡ ኣሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ወለጋን ምብራቕ ሸዋን ብምኽንያት ዘሎ ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 19 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ይርከቡ።

ኣብታ ከተማ በቢመዓልቱ ዝኣትዉ ተመዛበልቲ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ እውን ልዕሊ 50 ሺሕ ተመዛበልቲ የሃልዉ እምበር ምግብን መዕቖቢን እናቐረበሎም ከምዘይኮነ ተገሊፁ።

ብኣላዩ ገረመው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment