ማሕበር ሚድዋይፋት ኢትዮጵያ ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዘውፅኡ እታወታት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ንሆስፒታላት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ሚድዋይፋት ኢትዮጵያ ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዘውፅኡ እታወታት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ንሆስፒታላት ሓገዝ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ዝተጣየሸሉ መበል 28 ዓመት በዓል ንምኽባር ሒዚዎ ዝነበረ በጀት ኢዩ ንእታወታት መከላኸሊ ኮሮና ከውዕሎ ዝኸኣለ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር የሽጥላ ተስፋዬ፥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክታት)፣ ሙሉእ ሰውነት ዝኸድኑ ክዳውንቲ ሕክምናን መሕለዊ ፅሬትን ኣብ ኩለን ክልላት ንዝርከቡ 54 ሆስፒታላት ከምዝከፋፈል ገሊፀን።

እቶም ኣቑሑት ሕክምና ኣብተን ሆስፒታላት ንዝርከቡ መዋለድቲ ነርስታት ከምዝውዕሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ብምኽንያት ኮቪድ-1 9 ኣብ ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ክፍተት ከይሕሉ ብዝብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ስርዓተ ምግቢን ዶክተር መሰረት ዘላለም፥ ከም ሃገር ኮቪድ-19 ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ካልኦት ዘፈረሰት ጥዕና ትኹረት ከምዝተገበረሎም ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ ኣብሪሀን።

ንመዋለድቲ ነርስታት ዝተገበረ ሓገዝ እውን ነዚ ዘጠናኽር ኢዩ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment