ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ብቕልጠፍ ንምፍታሕ ብውሁድ ሓድነት ክንረባረብ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝመርሕዎ ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ ህዝባዊ ዋዕላ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣባላት ካቢኔ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር፣ ካብ ኩለን ወረዳታት ብህዝቢ ዝተወከሉ ተሳተፍቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣይተ ጌታቸው፥ እቲ መድረኽ ልኡኽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣነፂርና ቀልጢፍና ናብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ምእታው ዘኽእለና መድረኽ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ህዝባዊ ዋዕላ፥ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ ቡዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም።

መፍትሒኡ ድማ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዘምፀኦም ፀጋታት ፀንቒቕና ብምጥቃም ዘለዉ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ድማ ብቕልጠፍ ንምፍታሕ ብውሁድ ሓድነት ክንረባረብ ይግባእ ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment