ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ከም ሃገር ዘጋጠመ ፀገም ንኽንሰገር ዕዙዝ ግደ ኣብ ምብርካት ከምዝርከቡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ፤ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዋ ፀገማት ንክትሰግሮ ዕዙዝ ግደ ኣብ ምብርካት ከምዝርከቡ ኣማኻሪ ጉዳያት ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብ መበል 22ን ጉባኤ በድር ዓለም ለኸ ትካላት ሙስሊም ኢትዮጵያ ተረኪቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ÷ “እቲ ትካል ጉባኤኡ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ መርኣያ ፍቕሪ ሃገር እዩ” ኢሎም፡፡

ካልኦት ዝተወደቡ ዲያስፖራታት ተመሳሳሊ መርሃ ግብሮም ኣብ ኢትዮጵያ ንክገብሩ ዘለዓዕል ተግባር ከምዝዃነ ገሊፆም፡፡

ኣካል እቲ መረሃ ግብሪ ዝኾነ ካብ “ኢድ ክሳብ ኢድ” እውን ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልቲታት በድር ዓለም ለኸ ትካላት ሙስሊም ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣዋዲዱ ኣብ ማእኸል ኤግዚቪሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ  ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት

ሰብሳቢት ብሄራዊ ኮሚቴ ካብ “ኢድ ክሳብ ኢድ”ን ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ከምዝገለፅኦ ፤እዚ ጉባኤ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ካብ ዓዱ ሪሒቑ ይትግብርዎ ዝነበረ ሃገራዊ ተሳትፎ ብቐረባ ንክትግብርዎ ዕድል ከምዝኸፍት ገሊፀን፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ዶክተር መሐመድ እንድሪስ ከምዝገለፅዎ ኣባላት በድር ምስ ዓዶም ዘለዎም ርክብ ብዘላቕነት ዘሐልዉን ኣብ ጉዳይ ሃገሮ ኩል ግዘ ቐዲሞም ዝርከቡን ምርኣያ ዝኮነ ተግባር ዝፍፅሙ እዮም ክብሉ ሓቢሮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment