ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንከውግዝ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲቱ።
ንፌዴራል መንግስቲ ተዂሲ ተናፀል ደው ንክብል ውሳነ ንክመሓላለፍ ሕቶ ዝቐረበ ህይወት ዜጋታት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ከምዝኾነ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣዘኻኺሩ።
ፌዴራል መንግስቲ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ንክቕፅሉ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንክፅገኑ ናይ ምግባር ግልፂ ዕላማ ብምሓዝ አንትስራሕ ከምዝነበረ ገሊፁ።
እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤት ሓዊሱ መስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ መግለፂ፥ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ብመሰረት ዝወሃብ ኣንፈት ድሕንነት ሲቪል ዜጋታት ንምሕላው ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ፃዕሪ ንክዕወት ኣብ መርህ ዝተደረኸ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት የግበር ከምዘሎ ገሊፁ።
ይኹን እንበር ውሳነ ተዂሲ ደው ምባል ስዒቡ ኣካላት ፀፅታ ፌዴራል ካብቲ ክልል ለቒቖም ብምውፅኦም ጭቡጥ ኩነታት እታ ክልል ኣዝዩ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ፀብፃባት ምግላፆም ገሊፁ።
ብፍላይ ልኡኽ ምድሓን ህይወት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እንትሕግዙ ዝነበሩ ዜጋታት ንባዕሉ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ብዝፅውዕ ዕጡቕ ጉጅለ መቕተልቲ ይፍፀሞም ከምዘሎ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ራያ፣ እንደርታ፣ መቀሌ/ኹሃን ዓዲግራትን ብወለታዊ ንህዝቢ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያታትን ቤተሰቦምን በቲ ዝተዓጠቐ ጉጅለ መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ፀገም ተመዛበልቲ ዜጋታት ንምፍታሕ ዝግበር ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝተዓናቐፈ ሓቢሩ።
እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ቲ ክልል ዘብፅሖ ዘሎ መጥቃዕቲን ንሰብኣዊ ደገፍ ዝተወደቡ መኽዝናት ዝገበሮ ዘረፋን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ጥምየት ንምኽባስ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘተዓናቕፍ ኣጠንቂቑ።
ጉጅለን ደገፍቲን እቲ ግብረ ራዕዲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ንምምዝባል እናዳረገ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር፥ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ነህይወቶም ብምስጋእ ይስደቱ ከምዘለዉ ገሊፁ።
መንግስቲ ፌዴራል እውን እቶም በቢዕለቱ ዝስደቱ ዘለዉ ዜጋታት ይምዝግብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ናብ ኤርትራ እውን ዝስደቱ ዘለዉ ዜጋታት ከምዘለዉ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ሓገዝን ሓዊሱ ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንከውግዙ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲቱ።
እቲ ጉጅለ ክመፅእ ካብ ዝኽእል ኣማራፂ ሰላም ብተፃራሪ ዝገብሮ ዘይተቛረፀ ፃውዒት ህውከት መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ንክግንዘቦ ኣመልኪቱ።
ሕብረተሰብ እውን ንኣማራፂ ሰላም ትኹረት ንክገበር ምግንዛቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።