ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላምን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣድላዪ ድጋፍ ክገብር ይግባእ – ሙሳ ፋኪ ማህመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላምን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣድላዪ ድጋፍ ክገብር ይግባእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህመት ገሊፆም።

እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መኽፈቲ ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ኣህጉር ዝረኣዩ ፀገማት ምንጋዕ ሰላም ንምውጋድ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

ኣፍሪካ ግዕዝይናን ካልኦት ፀገማትን ብምቅላስ ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ክትሰርሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንክቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

መርሃ ግብሪ ለውጢ ሕብረት ኣፍሪካ ውሽጣዊ ዓቕሚ ክብ ምባል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ አወን ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ኣህጉር ቦቀል ሃፍቲታት ኣብ ምትእኽኻብ ትኹረት ክግበር ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ፥ “ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ ኣህጉር ኣፍሪካ ምህናፅ፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓት የሳልጥ” ብዝበል መሪሕ ቃል ሎሚን ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣፍሪካ ኮቪድ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ መላእ ዓለም ንክሕግዛ ሓቲቶም።

ኣፍሪካ ክታበት እቲ ቫይረስ ንባዕላ ክኢላ ንክተፍሪ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ክተባባዕ ይግበኦ ብምባል፥ ደቡብ ኣፍሪካ እቲ ክታበት ንምፍራይ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ንኢዶም።

ንሰላምን ፅፅታን ኣፍሪካ፣ ማዕርነት ፆታን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንክነቓቓሕ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ገንዘብ ንክግበር ሓቲቶም።

በወንደሰን አረጋኸኝ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment