ማሕበረሰብ ዓለም ሊቢያ ኣብ ምሕጋዝ ንክረባረብ ውሕመ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ጉድኣት ንዘጋጠሞም 250 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝ ንክረባረብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኦቻ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ንምሃብ 71 ነጥብ 4 ሚሊየን ዶላር ካብ ሓገዝቲ ኣካላት የድሊ ኢሉ።

እቲ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ሊቢያ ሚሼል ሴርቫዲ፥ ን10 ሺሕ ሰባት ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና፣ ን1 ሺሕን 100 ሰባት ዝኸውን መሐለዊ ነፅህናን ክዳውቲን ምልኣኹ ገሊፀን።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብግድኡ ልዕሊ 5 ሺሕ ነዝኾኑ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ስድራ ዝኸወነ መግቢ ከቕርብ ኢየ ምባሉ ኣፍሪካ ኒውስ ሩም ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment