ማሕበረሰብ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ(ዓረፋ) እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ -ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ሙስሊም መበል 1445 ዓመት በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ(ዓረፋ) እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ከበል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ መበል 1445 ዓመት በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ(ዓረፋ) ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ናይ ሎሚ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ተነፃፃሪ ሰላምን ብዙሓት ኣመንቲ ንሓጂ ናብ መካ ኣብ ዝኸድሉን ዝኽበር እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ኣደም ዓብድልቃድር፥ ይኹን እምበር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዝርከብ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ህዝበ ሙስሊም ነቲ በዓል እንተኽብር መፅሓፍ ቁርኣን ብመሰረት ዝእዝዞ ፥ ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምትሕልላይን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ዋና ፀሓፊ እቲ ቤትምኽሪ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ብግደኦም፥   ዒዲ ዓልድሓ ማለት መዓልቲ ታሕጓስን ፍስሃን እዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ሃማኖታዊ ስነ ስርዓት ከምዝኽበር ብምግላፅ፥ ኩሉ ኣማኒ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ተረኽቡ ዱዓ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንህዝበ ሙስሊም ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሕ ሓድሽ መንድር ንምህናፅ ኣብ እንረባረበሉ  እቲ በዓል ምኽባሩ፥ ንዕውትነት እቲ ፕሮጀክት ኩሉ ትግራዋይ እጃሙ ከበርክት ኣተሓሳስቦም።

Comments (0)
Add Comment