ማሕበረሰብ ሙስሉም በዓል ዓረፋ እንተኽብር መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ-19ን ዝተቐመጡ ክልከላታትን ብምትግባር ክኸውን ይግባእ – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ሙስሉም በዓል ዓረፋ እንተኽብር መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ-19ን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተቐመጡ ክልከላታትን ብምትግባር ክኸውን ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ፕዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ በዓል ዓረፋ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ማሕበረሰብ ሙስሊም ይኹኑ ካልኦት ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ምክልኻል ኮሮና ጥንኩር ስራሕ ክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግረሎም ገሊፆም።

ናይዚ ዓመት በዓል ዓረፋ ዝኽበር ከም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሓደ ብምትእኽኻብ ዘይኮነስ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእሉ ተግባራት ብምፍፃም ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ህዝበ ሙስሊም ኣብ በዓል ዓረፋ ዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ዝሓመሙ ብምሕታትን ሰብኣዊ ተግባር ንኽፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ሙስሊም ሰብኣዊነት ብተግባር ብምርኣይን ኣብ ዘዘለዉዎ ቦታ ብምዃን ፀሎት ዱዓ ገይሮም ከኽብሩ ከምዝግባእን እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

መበል 1 ሺሕን 441 በዓል ዓረፋ ዓርቢ ድሕሪ ፅባሕ ክኽበር ኢዩ።

ብሙሓመድ ዓሊ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment