ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣካልን ብኣእምሮን ዝደንፈዐ ከምኡ እውን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ንኽኸውን ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስፖርት ባህሊ ምግባር ይግባእ ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
“ጥዑይ ሜላ ኣነባብራ ንኹሉ ማሕበረሰብ!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ብምዃን ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ኣካይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ነዚ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ “ነበርቲ ከተማና ብኣካልን ኣእዕምሮን ዝደንፈዐ ከምኡ እውን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ንኽኸውን ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስፖርት ባህሊ ብምግባር ኩሉ በቢከባቢኡን ቤት ዕዩኡን ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ንኽገብር ምስራሕ ይግባእ” ኢለን።