ማህበራዊ ምትእስሳር ንምዕሳል ኢትዮጵያዊ ክብርታት ንመነእሰይ ምሕላፍ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ሓድነትን ማህበራዊ ምትእስሳርን ንምዕሳል ኢትዮጵያዊ ክብርታት ንመነእሰይ ምሕላፍ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲታት ሃዋሳን ዋቻሞን ተጀሚሩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ዶክተር ስዩም ስልጠና ወለንታ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ብዝገበሩዎ መደረ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ኣመለኻኽታ፣ ክእለትን ሞራልን መናእሰይ ብምህናፅ ከምኡ እውን ሰላምን ሓድነትን እቲ ሓደ ናይ ካሊእ ባህሊን ክብሪን ክግንዘብ ብምግባር ብሄራዊ ምርድዳእ ዝፈጥር ኢሉ ኢውን ንምጥንኻር ሰላምን ሓድነትን ርኡይ ታራ ኣለዎ፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዶክተር ኣያኖ በራሶ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኣገልግሎትን ፍቕሪን ደቃ ትደልየሉ እዋን ስለዝኾነት፤ ሰላምን ሓድነትን ሃገር ንምሕላው ብትግሃት ምስራሕ ይግባእ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ሚኒትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታየ ደንዳኣ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ስልጠናታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ክእለት ከምኡ እውን ሓደሽቲ ሓሳባት ከምዘካትት ብምሕባር፤ ተምሃሮ ስልጠነኦም ብዝግባእ ንኽከታተሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ዝተውፃእፅኡ ተምሃሮ ብሓባር ኣብ ወለንታዊ ስራሕቲ ዝሰርሑሉ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለታውያን ተምሃሮ ካብ ዝጅመር ኣርባዕተ ዓመት ከምዘቑፀረ ይዝከር፡፡

ብጥላሁን ይልማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment