ሚኒትራትን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ኣብ ቡልጋን ደብረ ብርሃንን ዝርከቡ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ዑደት ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ሚኒትራትን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ቡልጋን ደብረ ብርሃንን ዝርከቡ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፣ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ መምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርደ፣ ርእሰ መምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልንክልላትን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን 80 ቢሊየን ካፒታል ኣመዝጊቦም ቦታ ዝተውሃቦም 330 ነባር ኢንዱስትሪታት ከምዘለዉን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 52 ኢንዱስትሪታት ስራሕ ከምዝጀመሩን ን20 ሺሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ከተማ ደብረ ብርሃን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ኣብዚ ዓመት መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ካብ ዘመልከቱ 110 ፕሮጀክታት 16 ቢሊየን ብር ንዘመዝገቡ 50 ፕሮጀክታት ሓዱሽ ፍቓድ ከምዝተውሃበ ሓላፊ መምርሒ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን እታ ከተማ ኣይተ ብርሃን ገብረህይወት ገሊፆም።

ብዘላለም ገበየሁ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment