ሚኒስትር ፕላንን ልማትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልማትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ዘቲየን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ምድላውን ትሕዝቶን ካልኣይ ዙር ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ካብ ፈላማይ ዝቐፀለን ናይዛ ሃገር ቀዳማይ ምዕባለ ኢኮኖሚ ድልየትን መሰረትን ተሓሳቢ ብምግባር ብመንግስቲ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ዝገብሮም ዘሎ ዝተፈላለዩ ተግባራት ብምሕባር ኣብእግሪ ምትካልን ህንፀትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎ እወን ተዛሪበን።

ኣብ ግብርና፣ ኢነርጂ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ኢንዱስትሪ፣ ፋይናንስናን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዓውዲታት ናይ ውልቀ ዓውዲ ፈላማይ ተዋሳኢ ንምግባር  መንግስቲ ጠመተ ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሀን።

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ንከጠናኽሩ እቲ ኤምባሲ ደገፍ ንክገብር ሓቲተን።

ኣምባሳደር ኢቶ ታካኮ ብግደኦም፥ እቲ ዝተተግበረ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ቅልጡፍ መዕባለ ንክመፅእ ዝጎልሀ ብፅሒት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ሃገሮም ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ድልውቲ ምዃና ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment