ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል ንቕለ-ተኸላ ኣካል ሰውነት ንምጥያሽ ኣብ ዝክኣለሉ ኩነታት ምስ ኣምባሳደር ቱርክዬ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ተዛትየን፡፡
ኣብቲ ዘተ ማእኸል ንቕለ-ተኸላ ኣካል ሰውነት ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሆስፒታል ምጥያሽ ዘኽእል ሓሳብ እቲ ፕሮጀክት ምቕራቡ ተገሊፁ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ብፋውንዴሽን ተርኪሽ ትራንስፕላንት፣ ኤጀንሲ ኦፕሬሽን ተርኪሽን ኢንተርናሽናል ትራንስፕላንት ኔትወርክን ደገፍ ከምዝትግበር ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እቲ ማእኸል ምህናፁ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህቦ ግልጋሎት ሕዋስ፣ ህብረ-ሕዋስን ንቕለ-ተኸላ ኣካል ሰውነትን ንምስፍሕፋሕ ይረድእ ተባሂሉ፡፡
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ ኣዋጅ ጥዕና ንቕለ-ተኸላ ኣካል ሰውነት ዘሓዘ እዩ ኢለን፡፡
በቲ ኣምባሳደር ዝተመርሐ ልኡኽ ቱርክዬ ዘቕረቦ ትልሚ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ እናተውሃበ ዝርከብ ግልጋሎት ህብረ-ሕዋስን ንቕለ ተኸላ ኣካል ሰውነትን ክብ ከምዘብሉ ዝገለፁ ድማ ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ደምን ህብረ-ሕዋስን ዶክተር ኣሸናፊ ታዘበው እዮም፡፡
ብተወሳኪ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቕደስ ዳባ ምስ ኣምባሳደር ቱርክዬ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ፍልፍል ፋይናንስ እቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽራሉ ጉዳያት ተዛትየን፡