ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ትግራይ ዑደት የሳልጣ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ጥዕና ትግራይ ንምዕዛብ ሎሚ ንጎሆ መቐለ ኣቲዩ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ፥ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለን ካልኦት መሳርሕቶምን ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብኣካል ብምርኣይ ኣብ ዳግመ ህንፀት እተን ትካላት ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ንምንፃር ዓሊሙ ኢዩ ናብቲ ክልል ተጓዒዙ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ወረዳ ጉለመኻዳ መባእታዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋይ ገብረእግዚኣብሄር (ፋፂ) ዝበፅሐ ዕንወት ብተግባር ርእዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ካልኦት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ንምዕዛብን ጠለብ ሕክምና ትግራይ ንምቕራብን ንምህናፅን ኣብ ዞባታት ምብራቕን ማእኸልን ትግራይ ዑደት ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment