ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ መቐለ ብኣካል ብምርካብ ክታበት ቫይረስኮሮና ብዕሊ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ብኣካል ብምርካብ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚረን።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉ ነጋን ካልኦት ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልልን ተኸቲቦም።

እቲ ክታበት ንሰብ ሞያ ጥዕናን በቲቫይረስ ተቓላዕቲ ነዝኾኑ ወገናትን ብቐዳምነት ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ እቲ ክታበት ኣብ ክልል ሶማሌ፣ ሃረሪ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን፣ ኣምሓራን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ምጅማሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment