ሚኒስትር ጥዕና ብምዃን ዝተሸማ ዶ/ር መቅደስ ዳባ መን ኢየን?

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ብምዃን ዝተሸማ ዶ/ር መቅደስ ዳባ መን ኢየን?።

ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊደን ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ቀዳማይ ዲግሪአን ዝዛዘማ ኢየን።

ካልኣይ ዲግሪአን ድማ ብሕብረተሰብ ጥዕና ኢየን ረኺበን።

ሰብ-ስፔሻላይዝ ብጥዕና ስነ ተዋልዶን ትልሚ ስርዳን ዝገበራ ዶ/ር መቅደስ፥ ብዝተምሃራሉ ሙያ ሰፊሕ ኣገልግሎት ሂበን።

ኣብ ብዙሓት ዓለም ለኸ ዩንቨርስቲታት ሓፀርቲ ኮርስታትን ወረቐት ምስክርን ብምርካብ ሙየአን ኣማዕቢለን።

ብልምዲ ስረሐን ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ሓጋዚት ፕሮፌሰር በምኻን ብምምሃር ምስትምሃር ኣገልጊለን። ከምኡውን ኣብቲ ዩንቨርስቲ ሓላፊት ትምህርቲ ሕክምና ብምዃን ኣገልጊለን።

ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ማሕበር ፅንስን ማህፀንን ኢትዮጵያ በምዃን ብምግልጋል ሙያዊ ግደአን ተዋፂአን።

ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ዓለም ለኸ ስነ ተዋልዶ ጥዕና ብምኻን እውን ኣገልጊለን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ዕዮ ውድብ ጥዕና ዓለም ላዕለወይቲ በዓልቲ ሙያ ፍሉይ ሓጋዚ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ብምዃን የገልግላ ነይረን።

ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ኣብ ሕክምና ማህፀንን ጥንስን ብመሰረት ዝገበርኡ ምርምርን ኣስተዋፅኦን ኣብ 2021 ዓ.ም.ፈ ብዓውዲ ደቂ ኣኒስቲዮ ዓለም ለኻዊ ሽልማት ሕክምና ማህፀንን ጥንስን ምርካበን ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment