ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርነብ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ማርክ ጋርኒው ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ደገፍ ኣቕርቦትን በፃሕነት መራኸብቲ ሓፋሽን ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኣብ እግራይ 70 ሚእታዊ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዘቕረበ ብምግላፅ፥ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሐዚ 3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ምግብን ምቢቢ ተንከፍ ዘይኮን ደፋትን ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

መንግስቲ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምትሕብባር እቲ ክል እግሪ ንምትካልን ንምህናፅ ዓርሰ እምነትን ዝገብርዎ ፃዕሪ የማዕብል ኣለዉ ኢሎም።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት በምትሕብባር ናይ ምፅራይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ነቲ ግህሰት ከምዘይፃወር እውን ?ኣቢሮም።

ማርክ ጋርኒው ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

መንግስቲ ንዝገብሮ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝሕግዙ እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ካናደ ኣብ እግራይ ንዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ዝሕግዙ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከምዝምድብ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment