ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ዶሚኒክ ራብ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኢትዮጵያ እናቐረበ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ዶሚኒክ ራብ ብትካል ተራድኦ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ሰሜን ኢትዮጵያ እናቐረበ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓዚቦም።

እቶም ሚንስትር ኣብ ጎንደር ተረኺቦም እቲ ትካል ንዓለም ለኸ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቢሮ መተሓባበሪ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝን ዝገበሮ 10 ሚሊየን ፓውንድ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ዝተደለየ ቦታ ተበፃሒ ንኽኸውን ክስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ዶሚኒክ ራብ፥ ኣብ ሱዳንን ኬንያን ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ፡፡

እቶም ሚኒስትር ትማሊ ምሸት ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንንን ተዛቲዮም ኢዮም፡፡

እቲ ዘተ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር፣ ዞባዊ ጉዳያትን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምህናፅን ዘድሃበ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ሃገሮም እንግሊዝ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሓገዝ ካብ ትገብረሎም ፕሮጀክታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምስራቅ ጮራ ተረኺቦም ዑደት ገይሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment