ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድን መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓን ፔካ ሀቪስቶ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ደገፍ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኣብ ን4 ነጥብ 5 ሚሊየን ዜጋታት ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ካብቲ ዝተገበረ ደገፍ እቲ 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ ከምዝተሸፈነ ሓቢሮም።

ናይ ሴፍቲ ኔት ፕሮግራም ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ  ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ናብ ስሩዕይምለስ ምህላዉ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ኣኽሱ ዝገበሮ ምርመራ ፀብፃብ ምቕራቡ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ብገለልተኛ ኣካል ንክፃረ ዘለዎ ቁርፀኝነት ምርኣዩ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘለዎ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

ፔካ ሀቪስቶ፥ ብግደኦም ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዑደት ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣካላት ሚዲያ ኣብቲ ክልል ብምእታው ንክፅብፅቡ ብምግባሩ ብእወንታ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዝገበርዎ ዑደት ነዚ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ጎንፂ ኣብ ዘለዎም ዝተወሰኑ ከባቢታት ንዘለዉ ዜጋታት ግብእ ሓገዝ ንክቐርብ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ሰራዊት እርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምግላፆም ብእወንታ ከምዝግንዘብዎ ብምግላፅ እቲ ከይዲ ንክቀላጠፍ ሓቲቶም።

ኣይተ ደመቀ ብግደኦም፥ ተመዛበልቲ ቅድሚ ክራማት መሊስክ እግሪ ንምትካል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ወተሃደራት ኤርትራ ንክወፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብመሰረት ዝገለፅዎ ይፍፀም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት  በወገን ሕብረት ኣፍሪካ ሰለስቲአዊ ድርድር ንክቕፅል ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ሀቬስቶ፥ እቲ ድርድር ቅድሚ ክረምቲ ንክፍፀም ንክፍፀም ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ሕብረት ኣውሮፓ ብግድኡ ደገፍ ቴክንክ ንምግባር ዘለዎ ባህጊ ገሊፀም።

ምስ ምስሕሓብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝተተሓሓዘ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ብድርድር ንክፍታሕ ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ሱዳን  ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከምዝጠሓሰትን ኣረዲኦም።

ነዚ ድማ ሱዳን ካብቲ ሒዛቶ ዘሎ ልእላውነት ኢትዮጵያ ለቒቓ ንክትወፅእን ንዘተ ድልውቲ ንክትኮንን ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ዘጋጠመ ምስሕሓብ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment