ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ህንዲ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ህንዲ ኒው ደልሂ ኣቲዮም።

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝህልዎም ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ፃንሒት፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኤስ. ጄሻንክራ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ሓዱሽ ህንፃ ኤምባሲ ኢትዮጵያን መንበሪ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ህንዲ ክምርቑ ኢዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ህንፃ ኤምባሲ ኢትጵያ ምምራቖም ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment