ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ዩክሬን ኣቲዮም።
እቲ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት፥ ኣሜሪካ ንዩክሬን ዘለዋ ደገፍ ንምግላፅ ዓሊሙ ሃንደበት ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ለይቲ ብባቡር ተጓዒዞም ኪዬቭ ዝኣተዉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዘለዉ ዩክሬናውያን ሃገሮም ጠንካራ ሽርክና ከምዘለዋ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።
ብሊንከን፥ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ምብራቕ ካርኪቭ ሓዱሽ ወፍሪ ዝኸፈተ ሰራዊት ሩሲያ ናብ ድሕሪት ንምምልስ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ንዩክሬን ዘለዋ ደገፍ ንምግላፅ ዑደት ምግባሮም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።