ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ንዕዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ፖምፒዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ክዛተዩ ኢዮም።

ብተወሳኺ ምስ ፕዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ከምዝዛተዩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment