ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ መንግስቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝፍፅመሉ ዘሎ ከይዲ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ን\ዘጋጠመ ጎንፂ ሰለማዊ ዕልባት ንምሃብ ዓሊሙ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተበፅሑ ስምምዕነታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዝገብሮ ዘሎ ቁርፀኝነት ንኢዶም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ እቲ ስምምዕነት ሰላምን ኣፈፃፅምኡን ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ወሳኒ ስጉምቲ ኢዩ ኢሎም።

ህይወት ሰብ ንምድሓን ኮነ ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሀይወቶም ንምምሕያሽ ጠቓሚ ኢዩ ኢሎም።

ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት እቲ ስምምዕነት ሰላም ንምትግባር ቁርፀኝነት ምንባሩ ምዕዛቦም ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ስልኪ፣ ባንኪን ትራንስፖርት ነፈርቲን ምጅማሩ ዝተባባዕ ስጉምቲ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ስጉምቲታት ኣብ ኲናት ዝነበሩ ከባቢታትን ነበርቲን ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሶም ንክምለሱ ዘኽእሉ ኢዮም ብዝብል ኣሜሪካ ኣፍልጦ ከምእትህብ ገሊፆም።

ብዮናታን ዮሴፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment