ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዉ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኪን ጋንግ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ  ኢትዮጵያ ዕላዉ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም።

ኪን ጋንግ ኣብ እዋን ዑደቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተራኺቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካብቲ ዘተ ብተወሳኺ ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ዝተሃነፀ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ክምርቑ ኢዮም ምባሉ ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንደር ኣፍሪካ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝተሃነፀ እንትኸውን÷ 90 ሺሕ ሜትሮ ስኩዌር ሓፈሻዊ ስፋሓት ኣለዎ፡፡

ህንፀት እቲ ማእኸል እንተዝዛዘም÷ ማእኸል ኦፕሬሽን ሃንደበታዊ ሓደጋ፣ ማእኸል ሓበሬታ፣ ላብራቶሪ፣ ማእኸል መሰልጠኒ፣ ማእኸል ኮንፈረንስ፣ ቢሮታትን ኣፓርታማታትን ዘለዉዎ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment