ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ ኣማሲዮም ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ  እንትበፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ መንጎ ሩሲያን ኢትዮጵያን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብን ካልኦት ዓለም ለኸ ጉዳያትን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ ኢትዮጵያ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ምስ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።
 
ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ከምዝበሎ፥ ላቭሮቭ ምስ ዲፕሎማታት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ኣብ መንጎ ሩሲያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ክዛተዩ ኢዮም።
 ኣብ ካልኣይ ዙር ጉባኤ ኣፍሪካ-ሩሲያ ከምዝላዘቡ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment