ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ልምዓት ዩናይትድ ኪንግደም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ምስ ሚኒስትር ልምዓት ዩናይትድ ኪንግደም ቪኪ ፎርድ ኣብ ኣሜሪካ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ዝጠመተ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣይ ኣሕመድ፥ መንግስቲ ብዘካየዶም ስራሕቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ፣ ከይዲ ሰላም፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ እቲ ሪፎርም ንምትግባርን ኢትዮጵያ ዘጋጥማ ፀገማት ንምፍታሕን ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ፣ ሃገራትን መሻርኽቲ ልምዓትን ደገፍ ክገብሩ ኣገንዚቦም።

ቪኪ ፎርድ ብግደአን፥  መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ሪፎርም ከምዝንእዳ ገሊፀን።

ብተመሳሳሊ ከይዲ ሰላም ከምዝድግፋ ብምሕባር፥ ብሪታኒያ ንልምዓት ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ክትቅፅል ኢያ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment