ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ምስ ሓላፊ ቀዋሚ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮን ሃገራት ሊግ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰውሰው ምስ ሓላፊ ቀዋሚ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮን ሃገራት ሊግ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ዋሊድ ሃመድ ሺልታህ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ዲፕሎማን ቀዋሚ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን ኢቶነዴ ካኮማ እውን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሃገራ ሊግ ዓረብን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር፣ ናይ ነዊሕ እዋን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ከምኡ እውን ካልኦት ምትእስሳራት ብምድንፋዕ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ብምዕባይ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስትራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ውሕስና ምግቢ ኣመልኪቱ ዝፀደቐ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ትኹረት ዝገበረ እታወታት ምግቢን ዝተመጣጠነ ምግቢን ኣብ ምትእኽኻብ ዘድሃበ ልዝብ ገይረን።

ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ዝቕፅል ዓመት መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ-ዓረብ፥ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት፣ ከባቢን ባህሊን ሓዊሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎ ንቑሕ ተሳትፎ፣ ኣብ ጉባኤ እቶም መራሕቲ ዝለዓሉ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ከምዝተመያየጡ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia #ethiopianfinanceminister

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment