ሚኒስትር ዓለም ልኸ ንግዲን ንኡስ ንግዲን ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብራ ኢየን  

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ዓለም ልኸ ንግዲን ንኡስ ንግዲን ካናዳ ሜሪ ኒግ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ኬኒያን ዑደት ከምዝገብራ ተገሊፁ።

ዑደት እተን ሚኒስተር፥ ዘፈር ንግዲ ካናዳን ኣፍሪካን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እተን ሚኒስትር ካብ 26 ታሕሳስ ክሳብ 2 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝህልወን ፃንሒት፥ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ንግዲ፣ ተወከልቲ ሲቪል ማሕራትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ክዛተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ካናዳ ሓደሽቲ ዕድል ስራሓት ንምፍጣር ምስ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ተሓቢሩ፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት፥ ምስ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ካናዳ፣ ፈርቲ ስራሕን ኣፍረይቲን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዉ ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲ ክዛተያ ኢየን ተባሂሉ።

ፍልፍል፡- ኔሽን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment