ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ኣምባሳደር ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓጋዚ ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ምስ ኣምባሳደር ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵጵያ ዶክተር አላሰቴይር ማክፌይልን ተዛቲዮም።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጰጵያን ብሪታኒያን ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ከምዝኾና ብምሕባር እቲ ርክብ ሓበራዊ ተረባሕነት ኣብ ዘረጋግፁ ዓውዲታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፀም።

ብፍላይ እንግሊዝ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝኻዕበተ ልምዲን ፍልጠትን ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዝማዕበለ ልምዲ ንምክፋል ዝግበሩ ሓገዛትን ምትሕብባርን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ መንግስቲ ሃገራዊ ኩነታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ዶክተር ኣልሰቴር ማክፌይል ብግደኦም፥ እተን ሃገራት ዘለወን ልምዲ ብፅቡቕ ዝፅራሕ ታሪኻዊ ርክብ ከምዘለወን ብምግላፅ ሃገሮም ንኢትዮጵያ ኩለመዳይ ልምዓትን ምትሕብባርን ሓገዝ እናገበረት ምፅናሓ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ዝከኣለሎም ኩለመዳይ ጉዳያት ብምፍላይ ሓገዝ ንምግባር ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment