ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ምስ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ኮሙዩኒኬሽንን ኳታር ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ምስ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ኮሙዩኒኬሽንን ኳታር ጃሲም ሲይፍ ኣሕመድ ኣል ሱላይቲ ተዛቲየን።

ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተኻየደ እቲ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ምትሕብባር ዝምልከት ገምጋም ገይሮም።

ብመሰረት እቲ ገምጋም ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ኮሙዩኒኬሽን፣ ትራንስፖርትን ሲቪል ኣቪየሽንን ዘለወን ምትሕብባር ኣድሂቦም ምይይጥ ኣካይዶም።

እተን ሃገራት ኣብቶም ዓውዲታት ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ብዝምልከት እውን ገልፍ ታይምስ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment