ሚኒስትር ቱሪዝም ዮርዳኖስ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ቱሪዝም ዮርዳኖስ መክራም ሙስጠፋ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ሚኒስትርን ልኡኾምን ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ÷ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣቀባብላ ገየረናሎም፡፡

እቶም ሚኒስት ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኢትዮጵያን ዮርዳኖስን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘለወን ርክብ ዘጠናኽሩ ስምምዓት ከምዝፍፅሙ ተገሊፁ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይማኖት ቱሪዝምን ቱሪዝም ጥዕባ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽሉ ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ልዝብ ከምዝገብሩ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ መስሕባት ከምዝጉብንዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment