ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ልኡኽ ኣበረታቲዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣበረታቲዐን።

ወይዘሮ ሸዊት ኣብቲ እዋን÷ እቲ ሚኒስቴር ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ስፖርተኛታት ዓቒሚ ብዝፈቐዶ መጠን ኣብ እዋን ምፍናውን ኣቀባብላን ኣብ ጎኖም ከምዝኸውን ብምግላፅ ብዓወትን ብሰላም ንኽምለሱ ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ስፖርት ፓራሊምፒክ ብትኹረት ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ካብ 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ፓሪስ ዝጓዓዝ እንትኸውን÷ ሎሚ መዓለቲ ድማ ስነ-ስርዓት ምፍናው ክግበረሉ ኢዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment