ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ መገርሳ ምስ ፈረንሳይ መዘነኦም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ፈረንሳይ ፍሎረንስ ፓርሊ  መዘነኦም ተዛትዮም።

ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጵያ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት እናገበረ ይርከብ።

እቶም ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፓሪስ ደ ብሪየን ፓላስ ምስ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ፈረንሳይ ፍሎረንስ ፓርሊ ተራኺቦም ዘትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ባሕሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስራሕ ንምጅማርን ኣብ ምዝማን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህልዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።

ኣይተ ለማ መገርሳ ቅድሚ እቲ ዘተ፥ ኣቀባብላ ክብሪ ዘብዒ ከምዝተገበረሎም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ኣይተ ሄኖክ ተፈራ ኣፍሊጦም።

ካብዚ ብምቕፃለል ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤተ መንግስቲ ኤሊዜ ተረኺቦም ምስ ኢታማዡር እታ ሃገር ኣዲሚራል በርናርድ ሮዤል ተዛትዮም ኢዮም።

እቲ ልኡኽ ቅድሚ ሕዚ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዢያን ባብቲስት ሌሞይን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ዛዕባታት ኣድሂቡ ምዝታዩ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment