ሚኒስትር ሕርሻ ኦመር ሁሴን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፋኦ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ኦመር ሁሴን ጎድና ጎድኒ ፎረም ምግቢ ዓለም ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ምግቢን ሕርሻን(ፋኦ) ኩ ዶንግዩ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒትር ኣብ ዘተኦም÷ ብዛዕባ ምምይያሽ ሕርሻ ኢትዮጵያ፣ ኣብተ ዓውዲ ዝተረኸቡ ዓወታትን መንግስቲ ብለውጢ ንብረት ኣየር ዘይብዳህ ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝገበሮ ፃዕሪን ኣመልኪቶም ነቶም ዋና ዳይሬክተር ገለፃ ገይሮምሎም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢን ዘላቒ ልምዓትን ንምድንፋዕ ትገብሮ ፃዕሪ ምንኣዶም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment