ሚኒስትር ሕርሻ ምስ ወናኒ ፉድ ኮምፕሌክስ ኣልቪማ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ብምግባር ብሕታዊ ኤክስፖርተር ፍርያት ፓስታ ምስ ዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ጅቡቲ ኣይተ ዲሬ ዓሊ ተዛቲዮም።

እቶም በዓል ሃፍቲ ወናኒ ፉድ ኮምፕሌክስ ኣልቪማ እንትኾኑ፥ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ካብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝውዕል ፍርያት ሓሊፉ ናብ ጅቡቲን ሶማሊ ላንድን ብምልኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ እናገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

እቶም ሚኒስትር፥ ንኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ካብ ወፃኢ ዘኣትዉ ፍርያታት ፓስታ ብምትካእን ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ብምግባርን፤ እቶም በዓል ሃፍቲ እናተፃወቱዎ ዝርከቡ ግደ ንኢዶም።

ኢንቨስትመንት ጅቡቲን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብ ዘፈራት መቀነባበሪ ምግቢን ሕርሻን ብዝበለፀ ንምብርትታዕ፥ ክልቲአን ሃገራት ተቐራሪበን እናሰርሓ ምዃነን እውን ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ መንግስቲ ከምዚኦም ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ንምብርትታዕ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ምትሕብባር ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡

ኣይተ ዲሬ ዓሊ ብግደኦም፥ ብወገን መንግስቲ እናተገበረሎም ዝርከብ ሓገዝ ዘድነቑ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ክሰርሑዎም ዝሃቀኑዎም ሰፋሕቲ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት እውን ሓገዝ መንግስቲ ከምዘይፍለዮም ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ብ20 ሚሊየን መበገሲ ካፒታል ዝተሃነፀ ዕዉት ጉዕዞ እቲ ኩባኒያ፥ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ብዝበለፀ ዘበረታትዕ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment