ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣገልግሎት ከተማታት ቅልጡፍን ተበፃሒን ንምግባር ዘኽእሉ ሶፍትዌራት ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣገልግሎት ከተማታት ቅልጡፍን ተበፃሒን ንምግባር ዘኽእሉ ሶፍትዌራት ኣፋሊጡ።

ኣብ ኩለን ከተማታት ኣገልግሎት ቅልጡፍን ተበፃሒን ንምግባር ተሓሲቦም ዝተዳለዉ እቶም ሶፍትዌራት፥ ሚኒስትር ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ሚኒስትር ዲኤታታትን ከምኡ እው ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕላዊ ተገይሮም፡፡

ዜጋታት ኣብ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሓዊ ኣገልግሎታትን ብዘይምርካብ ተደጋጋሚ ዘልዕሉዎም ፀገማተር ንምፍታሕ ዘኽእሉ 4 ሶፍትዌራት፥ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ብምትሕብባር ከተማታት ክልል ኣብ ስራሕ ንኸውዕሉዎም ብዕሊ ተጀሚሮም፡፡

እቶም ሶፍትዌራት ብትኽክል ኣብ ስራሕ እንተውዒሎም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከዘምኑ ኢዮም ተባሂሉ ከምዝእመነሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment