ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዋሸንግተን ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ኣብ ኣሜሪካ ዋሸንግተን ዲሲ ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዘተ ድማ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሓዊሱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሱዳንን ግብፂን፣ ሚኒስትራት ማይ፣ ሰብ ሞያታት ሕጊን ዓውዲ ማይን ሰለስቲአን ሃገራ ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ተረኺቦም።

ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ዘተ፥ ተወከልቲ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛቢነት ተረኺቦም።

ብመሰረት እዚ፥ ኣብ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም እናተዛተዩ ከምዝርከቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣፍሊጦም።

ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ቅድሚ ሕዚ ብብርኪ ቴክኒክ ዝተገበሩ ድርድራት ብዝተረኸበ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶ/ር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ምንባሮም ይፍለጥ።

ሰለስቲአን ሃገራት ቅድሚ 12 መዓልቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂበን ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝገበረኦ ዘተ ብፅቡቕ ውፅኢት ምዝዛመን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሰብ ሞያታት ቴክኒክን ሕጊን ዝተሳተፉሉ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ንምድላው፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ካርቱም ተራኺቦም ኢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment