ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና 100 ‘ሃርድ ቶፕ’ን 160 ‘ፒካፕ’ ተሽከርከርቲን፣ 572 ሞተር ሳይክክላት፣ 2 ሺሕን 700 ኮምፒውተራት ሓዊሱ ሞባይል ክሊኒካት ንተፀዋዕቲ ትካላቱ፣ ንቢሮ ጥዕና ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ንሆስፒታላትን ሓገዝ ገይሩ፡፡
ዝተገበረ ሓገዝ ኣገልግሎት ጥዕና ዝተቐላጠፈ ንምግባርን ስርዓት ጥዕና ንምዝማን ከምዝሕግዝ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተዛሪበን፡፡
ብዙፋን ካሳሁን