ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ምስ መሓዙት ትካላት ብምዃን ናብ ክልል ትግራይ ዝተዋደደ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕናን ስነ-ምግቢን ምቕራብ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒቴር ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ብምዃን ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር ኣድላዪ እታወታት ጥዕና ናብቲ ክልል እናቐረቡ ከምዝኾኑ ገሊፁ።
ንኣብነት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 45 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ኣፋውስን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ተላኢኾም ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ትካል ጥዕና ዓለም ን1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሰባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዘገልግሉ ናውቲ ሕክምና ዝተመጣጠነ ምግቢ ናብቲ ክልል ከምዘእተወ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ።
ካብዚ ብተወሳኺ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ዘውፅእ ንመሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝውዕሉ ናውቲን ልዕሊ 64 ሺሕ ሜትሪክ ቶን መከላኸሊ ሕማማት ኮሌራን ዓሶን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዝተመጣጠኑ ምግቢታት ቀሪቦም ኢሉ።
ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ብምግባር ሚኒስቴር ጥዕና መደንዘዚ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣፋውስ ብዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ትካል ጥዕና ዓለምን ኣቢሉ ንምብፃሕ እናተሰናደአ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።