ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ስራሕቲ መመሓየሺ ግንዛበ ጥዕና ሕብረተሰብን ምርምርን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሚኒቴር ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ተፈራሪሙ፡፡
እቲ ስምምዕነት ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶክተር ኣስራት ኣፀደወይን ተፈራሪሞምዎ፡፡
እቲ ስምምዕነት ብኣተሓባባራይነት ኢጋድ ዝሳለጡ ጥዕና ተንከፍ ስራሕቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብምድንፋዕ ብለገስቲ ትካላት ኣብ ምቁፅፃር ድምበርን ድምበር ዘለልን ሕማማት ኣቢሉ ዘፈር ጥዕና ምጥንኻር ቀዳማይ ዕላምኡ ገይሩ ዝሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ናብ ተግባር ኣብ ዝእተወሉ እዋን ድማ ኩለመዳይ ምላሽ ብመሃብ ሕብረተሰብ ግንዛበ ጥዕና ሕብረተሰብ ብምዕባይን ምርምራት ናይ ምስራሕን ዕላማ ኣጣሚሩ ዝሓዘ ከምዝኾነ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።