ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ካብ ሃገር ንክወፅኡ ትእዛዝ ዝተውሃቦም ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ኣመልኪቱ ፈፂሞምዎ ዝበሎም ዘይሕጋዊ ተግባር ዕላዊ ገይሩ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ካብ ሃገር ንክወፅኡ ትእዛዝ ዝተውሃቦም ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ኣመልኪቱ ፈፂሞምዎ ዝበሎም ዘይሕጋዊ ተግባር ዕላዊ ገይሩ። 

ኢቲ ሚኒስቴር ሎሚ ምሸት ኣብዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ውሕመ ተቖፂሮም ካብ ስነ ምግባር ሙየኦም ወፃእ ተንቀሳቒሶም ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ካብ መንጎ ዝፈፀምዎ ዘይ ሕጋዊ ኢ ስነምግባራዊ ተተግባር

1. ንዝተፀገመ ህዝቢ ተባሂሉ ዝመፅአ ሓገዝን ሰብኣወ ደገፍን ንህወሓት ኣሕሊፍካ ምሃብ

2.  ምስ መንግስቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ምጥሓስ

3.  መሳርሒታት ርክብ ህወሓት ንክጥቀመሉ ምትሕልላፎም

4.  ንሰብኣዊ ድጋፍ ዝውዕሉ ናውታት ሒዞም ናብ ትግራይ ዝኣተዉን እንተይተመለሱ ዝተረፉን ተሽከርከርቲ ኣብ ቁፅፅር ህወሓት ምውዓሎም እናፈለጡ ንክምለሰሎም ንምሕታት ተደጋጋሚ ሸለልትነት ምርኣይ
5.  ናይ ሓሰትን ዝተዛብዑን ሓበሬታታት ምውዝዖምን ሰብኣዊ ድጋፍ ንዕላማ ፐለቲካ ንክውዕሉ ምግባሮምን ዝጥቀሱ ኢዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ውሕመ ተቖቪሮምን ብሓላፍነት ተመደቦምን ኣብ ኢትዮጵያ እንትሰርሑ እንተለዉ ካብ ሙያዊ ስነምግባር ወፃእ ተንቀሳቒሶም፣ ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈፂሞም ኢዮም ዝተብሃሉ 7 ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገር ንክወፅኡ ትእዛዝ ከምዝተውሀበ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment